ኣብ ኤርትራ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ኣብቲ መጀመርያ ዓመታት ብተስፋን ብዘይ ትግበር መብጽዓን፡ ብምቕጻል ንኹነታትን ዝተፈጠሩ ኣጋጣሚታትን ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ’ቲ ዳሕረዋይ ዝበዝሐ ዓመታት ድማ ብንዕቀት ዝመልኦን ብደዐ ዝተሓወሶን ምስ ናይ ምፍርራሑ ዝገዝእ ሓይሊ ተተኺሉ ይርከብ። እዚ ገዛኢ ሓይሊ’ዚ ራዕዲ ብምፍጣር ዕምሪ ስልጣኑ’ኳ ከናውሕ እንተፈተን እንተኸኣለን፡ መወዳእትኡ ግን ከምቶም ቀዲሞም ኣብ ታሪኽ ዝተጓሕፉ ስርዓታት ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ።
ኣብቲ መጀመርያ እዋናት ናጽነት፡ ማለት ካብ 1991 – 1994 ፈንጠዝያ ናጽነት ስለ ዝዓብለለ፡ ህዝቢ ኣብ ምጽንባል ናጽነትን ምቕባል ዓዲ ዝኣተው ተጋደልትን ኣሕሊፍዎ፡፡ ብዓቢኡ’ውን ነቶም ብተስፋ ዝተጸበዮም እሞ ዋጋ ናጽነትን ሓርነትን ዝኾኑ ስዋኣት ደቁ ዳሃዮም ኣብ ምግባር፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ምቕባጽ ኣትዩ። ብተወሳኺ’ውን ውሑዳት ዘይኮኑ ተጋድልቲን ሲቪልን ኣብ ግዜ ቃልሲ መእተዊኦም ዘይተፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ህዝቢ ኣብ ጠልጠል ዝበለ ሃዋህው ኮይኑ ደሃይ ንምርካብ ብትጽቢት ኣሕሊፍዎ ክበሃል ይከኣል። እንተኾነ፡ ኣብቲ ግዜያት’ቲ፡ ዓበይቲ ግፍዕታት ዝተፈጸመሉ እዋናት’ውን እዩ ነይሩ። ተጋደልቲ መሰልኩም ሓቲትኩም ተባሂሎም ኣደዳ ማእሰርቲ፡ መቕተልቲ፡ ምስዋርን ኮይኖም፡፡ ስንኩላት ተጋደልቲ ማይ-ሓባር ብተመልከተለይ ብጥይት ብጾቶም ተመንጢሎም። ኣመንቲ ጅሆቫን ምስልምናን ብሰበብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሽበራን ሓታቲ ዘይብሎም ተሰዊሮም። ውሑዳት ዘይኮኑ ተጋደልቲ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ህጣሞም ጠፊኡ። ገሊኡ ብግህዶ ገሊኡ ድማ ብስውር ዝተኻየደ’ኳ እንተ ነበረ፡ ፈንጠዝያ ናጽነት ንተግባራትን ኣካይዳን ዝትከል ዝነበረ ስርዓት ንኸየስተብል ንህዝቢ ጋሪድዎ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ብተወሳኺ፡ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ስርዓት ክርድኦን ከስተብህለሉን ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ኣይበጽሐን ነይሩ።
ካብ 1994 – 1998 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ እቲ ናብ ደሞክራሲ ክመርሕ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ቅዋም ተነዲፉ ናብ ህዝቢ ንኽትዕ ብምውራድ ናይ መወዳእታ መልክዑ ሒዙ። ኩናት ምስ የመንን ሱዳንን’ውን ኣብዚ ዓመታት’ዚ እዩ ተኻይዱ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተኣወጀሉን ዝተተግበረሉን ምስ ምዃኑ፡ መንእሰያት ዝያዳ ምስ ተጋደልቲ ንኽላለዩን ንኽፋለጡን፡ ኣገባብ ኣተሓሕዛ እቲ ስርዓት ንኽርድኡን ዘኽኣለ ዓመታት ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ብተወሳኺ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዘይተጸንዐ ኣገባብ ‘ዝተጸንጸልሉ’፡ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ዝተሰጎጉሉ፡ ብእኩብ ይኹን ብውልቂ ምእሳር፡ ምስዋር፡ ምቕንጻል ድማ ዝቀጸለሉ ዓመታት ነይሩ። እዝን ካልእ ተግባራትን እቲ ስርዓት ድማ ኣገባብ ኣመሓዳድርኡ ምልካዊ ምዃኑ ዘነጸረሉ እዋናት’ውን ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እንተኾነ፡ ቅዋም ምስ ተተግበረ ክፍታሕ ዝኽእል ጸገማት ገይሩ ስለ ዝተረድኦ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ቅዋም ዓቢ ትጽቢት ንኸሕድር ደሪኽዎ።
ህዝቢ ቅዋም ከተግብር፡ ብቅዋም ክመሓደር፡ ክምራሕ፡ ኣብ ውሳነታትን ጉዳያትን ሃገሩ ክሳተፍ እናተጸበየ እንከሎ ዘይሓሰቦ ወዲቕዎ። ብሰንኪ መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት፡ ካብ 1998 – 2000 ኩናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወላዓሉ፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወሉ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሓዊ ዝተጠብስሉ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ ሰብን ንብረትን ዕንወት ዝወረደሉ፡ ዝበዝሐ ህዝብና ዝተፋናቀለሉ፡ ንዓመታት ዝኸይድ ነውጺን ሰለሎን ወጽዓን ብርሰትን ዘጋጠመሉ ዓምታት ነይሩ።
እቲ ኩናት ዝፈጠሮ ነውጽን ብርሰትን ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ስምብራትን በሰላን ገዲፉ። ካብ 2000 – 2001፡ ላዕለዎት ኣባላት’ቲ ስርዓትን ኣባላት ባይቶን ዝነበሩ፡ ተሃድሶ ዝጠለብሉን ብሰበቡ ድማ ዝተኣስሩሉን፡ ኣሰናዳእትን ኣቕረብትን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ዝተሰወርሉ፡ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ ህሮርማ ውዓን ገልዓሎን ዝተቀየድሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝተፈናቐለ ህዝብና ኣብ ፈቀዶ መዓስከር ስደተኛታት ዝተዋረድሉን ነይሩ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚዩ ድማ ምሉእ ብምሉእ ምልካዊን ንርብሓ ውሑዳትን ዝሰርሕ ስርዓት ምዃኑ ንዝበዝሐ ህዝቢ ክንጽረሉ ዝኸኣለ።
ድሕሪ 2001 ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ኣብ ዓዲ ኮይኑ ለውጢ ንኸየምጽእ፡ መንእሰይ ኤርትራ ደፋፊእካ ንኽስደድን ብዝኸዶ ድማ ንኸይምለስን፡ ብተማሃሮ ኣስመራ ዪኒቨርስቲ ዝጀመረ ምስጓግ፡ ናብቶም ዝሰዓቡ ንኡሳን ወሎዶታት ተማሃሮ ቀጺሉ። ነታ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተደኲና ህዝቢ ዘገልግሉ ምሁራት ተፍሪ ዝነበረ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ 2005 ብምዕጻው እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ምሁራን ዘለዎ ሕዱር ዝኾነ ዝኸሓነ ጽልኢ ብግልጺ ኣርእዩ። ውጽኢት ውህደትን ዕቤትን ኤርትራውያን ዘርዕዶ ስርዓት፡ ‘ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተ ሃልዮምን እንተ ሰሚሮምን ድቃስ ኣይህቡንን እዮም’ ብምባል ድማ ፈቀድኡ ከም ዝበታተኑ ኣብ ምግባር ሕርሕራይ ገይሩ ሰሪሕሉ።
ኣብ’ታ ዕድመን ዕድላትን መንእሰያት ኤርትራ ዝወሰደት ሳዋ፡ መዓንጣ ዘይቋጸሩ ተማሃሮ ኣደዳ ስደትን ሞትን መግረፍትን ንኽኾኑ ተፈሪዶም። ጳጳስ ኦርቶደክሳዊት ተዋህዶ ዝርከብዎም መራሕቲን ምእመናን’ውን ኣይንሓፎምን። ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤርትራ ቤት ማእሰርትታት ብምኽፋት ካብ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ክሳብ ኣረጋውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ብዘይ ምኽንያትን ፍርድን ቀይዱ። ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤትማእሰርቲ ቀይርዋ።
እቲ ሓቀኛ ምስሊ ናይ’ዚ ስርዓት እምበኣር ምስ ግዜ እናበርሀን እናነጸረን መጺኡ። ንሰላምን ምዕባለን መጻእን ኤርትራ ዘይሓስብ ስርዓት፡ ቀንዲ ኣተኩርኡ ኣብ መንእሰያት ብምግባር፡ መወዳእታ ዘይብሉ ኣዋጅ ወፍሪ ዋርሳይ – ይከኣሎ ብምእዋጅ፡ ኣደዳ ምብራርርን ምእሳርን ሞትን ከልበትበትን ገይርዎም። ብሰንኪ እቲ ስርዓት፡ ካብ 1995፡ 96፡ 97 ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ገልታዕታዕ ከም ዝነብሩን፡ ሞያ ኾነ ትምህርቲ፡ ሃብቲ ኮነ ናብራ ከም ዘይህልዎም ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ኣለው። ክሳብ 22፡ 23 ዓመታት ብዘይ ደሞዝ ከም ዝሰርሑ ብምግባር ድማ ናብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግሊያነት ኣዳሪግዎም። ኣብዚ ክፍለ ዘመን እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝምታ ዕድመን ዕድላትን መንእሰያት ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ።
ን28 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ምዕናውን ምጽናትን ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣተኲሩ ዝሰርሐ ስርዓት፡ እዚ ኹሉ ንምግባር ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ከም ዘይሰማማዕን ከም ዘይረዳዳእን፡ ንገለ ክፋል ሕብረተሰብ ከም ጸላኢ ንገለ ድማ ከም ፈታዊ፡ ንገለ ብሃይማኖት፡ ንገለ ብኣውራጃ፡ ብዓሌት፡ ብብሄር ብምምቕቃል ህዝቢ ከተሃናኹት ለይትን ማዓልትን ሰሪሕሉ። እንተኾነ፡ እከይ ተግባራት እዚ ስርዓት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘረኻኸበሉ፡ ህዝቢ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ብግብሪ እጃሙ ንምግባር ድልው ከም ዘሎ ኣመስኪሩ። እዚ ኣብ ነቕነቕ ዘሎ ስርዓት እንትሮፎ ውሑዳት ተበለጽቲን ዝተደናገሩን ገዲፍካ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ፎእ ስለ ዝበሎ፡ ናይ መወዳእታ ዕንጸይቲ’ያ ሕቆ ገመል እትሰብር፡ ከም ዝበሃል፡ ነታ ናይ መወዳእታ ሕቆ እዚ ስርዓት እትሰብር ዕንጸይቲ ኣብ ምውዳድ ይርከብ።ብውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝብና ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዝገበሮ ውህደትን ኣበርክቶን ኣብዚ ሰዓት’ዚ ብምድጋም ካብ ምልካዊ ስርዓት ንምግልጋል ሳቮያ ብምባል ተላዒሉ ይርከብ።